ንBT K-8 ደጊፉ!

ብሮድቪው-ቶምሰን K-8 ኣብ እንዳ ትምህርቲ ዝቕበሎም ከባቢታት ካብ ዝበዝሑ ብዙሕነት ዘለዎም ሓደ እዩ። ንሕናስ ናይ Title I ቤት ትምህርቲ ኢና፣ ካብ 60% ንላዕሊ ስድራቤታትና ትሑት ኣታዊ ዘለዎም እዮም። ልዕሊ 16 ቋንቋታት ይዝረብ፣ ብዙሓት ስድራቤታትና ብሓድሽ ናብዛ ሃገር ዝተሰደዱ እዮም፣ ብዙሓት ቆልዑናን ስድራቤታትናን ድማ ኣብ ዓቢ ሽግር ይነብሩ።

እንተኾነ—እዛ ቤት ትምህርቲ ፍሉይ እያ። ናይ ምትእስሳር፣ ክብካብን ዓሚቝ ርክብን ቦታ እያ። ኣብ ወሰን ዓቕምና ኮይና እውን፣ ማሕበረሰብ ብሮድቪው-ቶምሰን ብትርጉም ዘለዎ መገዲ ክሃንጽ፣ ክፈጥርን ንሓድሕዱ ክሕልውን ቀጺሉ እዩ።

ንብሮድቪው-ቶምሰን K-8 ምድጋፍ ንዅሉ ሰፈርና ምድጋፍ እዩ። ንማሕበረሰብ ዝድግፍ ማእከል እያ፣ ሕጂ ግን ክትዓቢ ዘድልያ ደገፍ ኣይረኽብን ኣላ።

መልእኽትና ንሱፐርኢንተንደንት ሹልዲንገር

ማሕበረሰብ ኣገዳሲ እዩ።

ብሮድቪው-ቶምሰን K-8 ኣብ ካልእ ቦታ ብቐሊሉ ክድገም ኣይክእልን። ቤት ትምህርትና ዓጽዮም ተምሃሮ ናብ ጀምስ ባልድዊን ወይ ቪውላንድስ ምስግጋር ንናይ ደገፍ ስርዓት ንኣዝዮም ተጎዳእቲ ተምሃሮና ከፍርስ እዩ። ቦታ ኣገዳሲ እዩ። ማሕበረሰብ ኣገዳሲ እዩ። ኣብዚ ዝተሃነጸ ርክብ፣ እምነትን መርበብ ደገፍን እንተተመዛቢሉ ክጎዳእ—ወይ ክፈርስ እዩ።

ክንድሕን ኣይኮናን እንሓትት ዘለና። ክንድገፍ እዩ እንሓትት ዘለና።

ብሮድቪው-ቶምሰን K-8 ኣብ ዘላቶ ቦታ ክትቕጽልን ንዕዉት ንምዃን ዘድልዩ ሃብቲ ክወሃባን ይግበኣ። ኣብዚ ዝግበር ወፈያ ንሓንቲ ቤት ትምህርቲ ጥራይ ዘይኮነ፣ ንመስተውዓልነት፣ ማዕረነትን ኣብ ማሕበረሰብ ዝተመርኮሰ ዝሰርሕ ትምህርታዊ ሞዴልን እዩ።

ናይ ሕጂ ሞዴልና ቀጻልነት የብሉን።

ሓቀኛን ዝረድኣን ድልየታት ኣለና። ኣብ PreK–8 ዝርከቡ ብዙሕ ድጋፍ ዘድልዮም ተምሃሮ ዘገልግል ቤት ትምህርቲ ምዃና፣ ናይ ሰራሕተኛታትን ደገፍን ኩነታት ምስ ሓቅኣዊ ኩነታት ኣይሰጋገረን። ሰራሕተኛታት ኣዝዩ ከቢድ ሓላፍነት ይጸዋሩ፣ ቤት ትምህርቲ ንኽስርሕ ኢሎም ካብ ግደኦም ወፃኢ ዝኾነ ሓላፍነት ብቀጻሊ ይወስዱ። ድኻም ሓቂ እዩ፣ እናወሰኸ እውን ኣሎ።

  • ናይ SPED ክፍልና ተጸቢጡ ኣሎ።
  • ናይ ብዙሕ ቋንቋ ተምሃሮ ደገፍና ንዝገልግሎም ብዝሒ ኣይኣክልን።
  • ብዙሓት ናይ ኣብ ምምሃር ተሓጋገዝቲ ቦታታት ብቀጻሊ ከይተሸፈኑ ይተርፉ።
  • ንPreK–8 ህንጻ ምስ ዓቢ ድልየት ተምሃሮ ንምምራሕ ተወሳኺ ም/ዳይሬክተር የድልየና።
  • ካልእ ሙሉእ ግዜ ዝሰርሕ ኣማኻሪ የድልየና።
  • ከምኡውን፣ ኣመሓደርቲን መምህራንን ኣብ ምምሃር፣ ትምህርትን ክብካብ ተምሃሮን ክዓቅቡ እምበር ኣብ ተኸታታሊ ናይ ቅልውላው ምምሕዳር ከይጸንሑ፣ ፍሉይ ናይ ድሕንነትን ሓለዋን ሓላፊ የድልየና።

ተወሳኺ መገዲታት ንምድጋፍ